ጥዕና ምሕላው

ነዚ ምኽርታት ብምክትታል፣ ነብስኻ/ ካብ ተላባዒ ሕማም ትከላኸል።

4a_Hände_waschen.png

ዝቀለለን ኣድማዕን መገዲ ካብ ተላባዒ ሕማም ንምጥንቃቅ የእዳውካ ቀጻሊ ሳሙና ምሕጻብ እዩ። ኩሉ ግዜ ቅድሚ ሽንት ቤት ምጥቃምን፣ ቅድሚ ምብላዕን የእዳውካ ሕጸብ።

1d_Hände.png

ቀጻሊ ነብስካ/ ተሓጸብ፣ ከምኡ ድማ ሰለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ኣስናን ይተሓጸብ።

ስሩዕ ኣካልዊ ጽሬት ካብ ሕማም ይከላኸል። ኣብ ግዜ ቃንዛ ስኒ ንወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።

4d_Impfung.png

ኽታበት ቡዙሕ ሕማማት ይውገድ። ዝበዝሐ ሰብ ሰብ እንተተኸቲቡ፣ ዉሑድ ሰብ ይሓምም።

ሰበ ስልጣን ስዊስ ክታበት የተባብዑ ነዚ ዝስዕብ

  • ፍሮማይ
  • ንፍዮ/ጽግዕ/ንፍዮ ጀርመን
  • ዲፍተርያ ሕማም ጎሮሮ/ ተታኑስ ጭዋዳ ዘድርቅ/ ፐርቱሲስ ሕማም ናይ ምስትንፋስ
  • ፖልዮ
Icon_Medic_Help.png

ናብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ከድካ/ ሓገዝ ሕተት/ቲ።

4e_Geschlechtsverkehr.png

ብዘይካ አይድስ ቡዙሕ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ኣሎ። ዝበለትጸ መገዲ ንነብስካ ትከላኸል ኣብ ግዜ ስጋዊ ርክብ ብኮንዶም ኢዩ። ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኮንዶምውን ኣሎ።

ኮንዶም ኣብዚ ሕክምና ማአከል ይወሃብ ኢዩ፣ ከምኡውን ኣት ፋርማሲን ዱኳንን ክግዛእ ይከኣል።

4f_Drogenkonsum.png

ዘይንጹህ ስሪንጋ ምስ ትጥቀም፣ ብደም ዝመሓላለፍ ሕማም ከጥቀዓካ/ ይኽእል። ኩሉ ግዜ ጹሩይን ሓዲስን ስሪንጋ ተጠቀም።

2c_Schwangerschaft.png

እንድሕር ጠኒስኪ ን ኣገልግሎት ሕክምና ሓብርዮም። እንታይ ከም ዘድሊ ንዓኺ፣ ንጥዕና ናትኪን ናይ ዉሉድኪን ከማኽሩኺ እዮም፣ ምስ ኪኢላ ድማ ቆጸራ ክሕዙልኪ ኢዮም።

1b_Wo_medizinische_Hilfe.png

ቀጻሊ ደቅኺ ናብ ሕክምና ውሰዲዮም ምእንቲ ናይ ጥዕና ምክትታል ክግበረሎም። ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ምእላይን ምንባይን ደቅኺ/ ክተሓባበሩኺ ኢዮም። ብከምዚ መገዲ እቶም ቆልዑት ጥዕኖኦም ይሕለወሎምን ብጽቡቅ ድማ ይዓብዩ።