እንታይ ትገብር ኣብ ግዜ ሕማም؟

ኛይ ሕክምና ኪኢላታት ኣብ ኩሉ መቀበሊ ሰፈርን፣ ቅጥዒ መሳለጢ ማእከልን ኣለዉ። መድሃኒት ትወስድ ኣንተሃሊኻ/ኺ፣ ወይ ነብሰ ጾር፣ ወይ ተጸሊኡካ/ኪ፣ ሕቶ ጥዕና እንተሃልዩካ/ ነዚ ተወከስ። እዚኦም ኪኢላታት ክከናኸኑኻ/ ኢዮም። ኣድላዪ ኣንተ ኮይኑ ድማ ናብ ሓኪም ወይ ሆስፒታል ከሰጋግሩኻ/ ኢዮም።

እቲ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ሰፈር እንድር ተዓጽዩ፣ ኣባላት ሓገዝ ወይ ድማ ነቶም ሓለዋ ተወከስ/ሲ።

ናይ ጥዕና ሕቶን፣ ሓበሬታን ብዛዕባ ሕማማትካ/ ብምስጢር ዕቁብ እዩ።

ብተወሳኺ፣ ኣብ ግዜ ሓደጋ፣ መጀመርያ ናብቲ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ሰፈር ኪድ። ህጹጽ ምስ ዝኾውን ጥራይ ትኽ ኢልካ/ ናብ ሆስፒታል ትኸይድ።

Icon_Medic_Help.png

ንስኻ/ ወይ ዉላድካ/ ሓሚምኩም ወይ ሕቶ ጥዕና እንተሃልይኩም ናብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከሱ።

 

ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ካልእ መዕቆቢ ማእከል

ጥያቀ ሕቶ ብዛዕባ ናይ ጥዕና ጉዳይ፣ ኣብ ኩሉ ማእከላት ዝተሓባበሩ ሰባት ኣለዉ። ዝበዝሐ ሓበረታ ኣብቲ ቦታ ኣሎ።