ሕማማት

ብዝኾነ ሕዱር ሕማም ንነዊሕ ክትሳቀ ጸኒሕካ/ኪ ዲካ/ኪ? ቀጻሊ መድሃኒት ትወስድ ዲካ/ኪ? ኣብ ሃገርካ/ኪ ወይ ኣብ መገሻ ክንክን ሕክምና ተካይብ ነርካ/ኪ ዲካ/ኪ?

Icon_Medic_Help.png

ናብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ኪድ/ኪዲ እሞ እቲ ጸገም ግለጸሎም።

ገሊኡ ሕማም ተላባዒ እዩ። እዚ ማለት እቲ ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይመሓላለፍ እዩ። እዚ ከጋጥም ዝኽእል ድማ ብ ኣየር፡ ረሳሕ የእዳው፡ ደም፡ ስጋዊ ርክብ፣ ከምኡ ድማ ብ ተምላስ፣ ውጽኣት፡ ወይ ቀጥታ ምትንኻፍ።

Icon_Medic_Help.png

ን ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ/ሲ እዚ ምልክታት እንድሕር ኣሎ። ብ ኸምዚ መገዲ ንነብስኻን ን ከባቢኻን ትከላኸል።

ሕማማት ከም ጅግል፣ ፍንጣጣ፣ ሀርፐስ፣ ክላሚድያ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ እዮም። ሳዕበናት ከም ፈሳሲ ምፍሳስ፣ ሳሓ፣ ሕበጥ፣ ነድሪ፣ ቃንዛ ኣብ ናይ ብልዕቲ ኣካላት እዩ። ብዘይ ምልክት ውን ክትቅዘፍ ተኽእሎ ኣሎ።

Icon_Kondome.png

ንነብስኻ ተኸላኸል ካብ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት፦ ኣብ ግዜ ስጋዊ ርክብ ኩሉ ግዜ ኮንዶም ተጠቀም። ኣብዚ ማእከል ሕክምና ክትረኽቦ ትኽእል፣ ወይ ኣብ ፋርማሲ፣ ወይ ኣብ ዱኳናት።

Icon_Medic_Help.png

ምልክት ናይ ስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማታ እንተለካ/ ናብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።

Icon_Medic_Help.png

እንድሕር ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ብዘይ ኮንዶም፣ ብዛዕባ ሕማም ትጠራጠር ኮይንካ/ኪ፡ ካብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ሓገዝ ጠይቅ/ቂ። ስጋብ ምልክታት ዝመጹ ኣይትጸበይ።

HIV ንኣክላት ዘዳኽም ህዋስ/ቫይረስ እዩ። ተሰካሚ ናይቲ ሕማም ክትኮውን ትክእል ኢኻ/ ብዘይ ዝኮነ ተርእዮታት ወይ ምልክት። እንድሕር መድሃኒት ዘይተወሲዱ፣ እካላት ብጣዕሚ ይደክምን ናብ ሕማም ይቃላዕ። ድሕሪኡ አይድስ ይበሃል።

እዚ ሕማም ብደም፣ ብስጋዊ ርክብ ብዘይ ኮንዶም፣ ብዘይ ነጽሀ ስሪንጋ ምጥቃም፣ ወይ ድማ ካብ ከርሲ ኣደ ናብ ዘይተወልደ ህጻን ይመሓላለፍ። ተሰካሚ እቲ ሕማም እንድሕር ኮይንካ፣ ዋላ ምልክት ኣይረአ፣ ንካልኦት ሰባት ክትልብድ ትኽእል ኢኻ/ኺ።

 

HIV/አይድስ መድሃኒት የልቦን። ግና፣ መድሃኒታት ኣሎ ነቲ ህዋስ መቆጻጸሪን፡ ሳዕቤናቱ ንምጉዳልን።

Icon_Kondome.png

ነብስካ/ ተኸላኸል ካብ HIV/አይድስ፦ ኣብ ግዜ ስጋዊ ርክብ ኩሉ ግዜ ኮንዶም ተጠቀም። ኣብዚ ማእከል ሕክምና ክትረኽቦ ትኽእል፣ ወይ ኣብ ፋርማሲ፣ ወይ ኣብ ዱኳናት።

Icon_Spritze.png

ኩሉ ግዜ ጽሩይ፣ ዝመኸነ ስሪንጋ ተጠቀም ኣብ ግዜ ውሽጠ ቨይናዊ ጥቅሚ፣ ምእንታን ካብ ረኽሲ ክትከላኸል/ሊ።

Icon_Medic_Help.png

እንድሕር ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ብዘይ ኮንዶም፣ ብዛዕባ ሕማም ትጠራጠር ኮይንካ/ኪ፡ ካብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ሓገዝ ጠይቅ/ቂ። ስጋብ ምልክታት ዝመጹ ኣይትጸበይ።

ዓባይ ሰዓል ዘላቶም ሰባት ንሰለስተ ሰሙን ይስዕሉ፣ ረስኒ ኣለዎም፣ ብለይቲ ይርህጹ፣ ወይ ድማ ክብደቶም ይቅንሱ። ዓባይ ሰዓል ዝመሓላለፍ እቲ ተሰካሚ ሕማም ዝሰዓሎ ሰዓል ሕማም ዘይብሉ ሰብ ምስ ኣተንፈሶ ኢዩ።

ዓባይ ሰዓል ሓደገኛ እዩ። እቲ ሕማም ቀልጢፉ እንተተለልዩ ክሕከም ይከኣል እዩ። ክንክን ሽድሽተ ወርሒ ይወስድ።

Icon_Medic_Help.png

ምልክት ዓባይ ሰዓል እንድሕር ኣለካ/ኪ፣ ወይ ተሓኪምካ/ ነርካ/ኪ፣ ወይ ምስ ተሰካሚ እቲ ሕማም ተራኺብካ/ኪ፣ ናብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።

ኣልኮል፣ ዕጸ ፋርስ፣ ካልእ ነገራትን ወልፊ ዘሕድርን ጎዳእን ጥዕና ክኾውን ይኽእል እዩ። ካብ ዕጸ ፋርስ ምጥቃም ተቆጠብ/ቢ።

ኣብ ግዜ ውሽጠ ቨይናዊ ጥቅሚ ዕጸ ፋርስ፣ ሕማማት ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ፣ ብፍላይ ኣብ ግዜ ጥቅሚ ብስሪንጋ።

Icon_Spritze.png

ብዘይ ዕጸ ፋርስ ክትነብር ኣሸጋሪ ምስ ዝኾውን ኩሉ ግዜ ጹሩይ፣ ዝመኸነ ስሪንጋ ተጠቀም፣ መታን ከይትረክስ።

Icon_Medic_Help.png

 ወልፊ ክጎድልን ክፍወስን ይከኣል ኢዩ። ንወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።

ከቢድ ተመኩሮን ግፍዒን - ከም ንኣብነት ኩናት፣ ስደት፣ ስቅያት፣ ዓመጽ -እዚ ኩሉ ናብ ኣካልዊ ወይ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማማት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ከቢድ ኣልኮል ምስታይ ወይ ወልፊ ዕጸ ፋርስ ምስኡ ዝተሓሓዝ ክኾውን ይኽእል።

ቡዙሓት ተሳቀይቲ ብዛዕባ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገም ክዛረቡ ይኸብዶም። ኣገዳሲ እዩ ክትግደሰሎምን ከም ካልኦት ድማ ክንክን ክረኽቡን።

ክውን ምልክታት ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ከም ንነዊሕ ግዜ ቡዙሕ ዘይምድቃስ፣ ምብህራር፣ ዘይተገልጸ ቃንዛ ወይ ድማ ዘይምምቻእ።

Icon_Medic_Help.png

ስነ ኣእምሮኣዊ ስቅያት ክፍወስ ይከኣል። ንወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።

ፍሮማይ ብጣዕሚ ተላባዒ ሕማም ኢዩ። ንቡር ምልክታት ረስኒ፡ ሳሓ ምስ ቡዙሕ ዕንፍሩር እዩ። እቲ ዕንፍሩር ኣብ መጅመርያ ንጹር ከም ማይ እዩ።  ካብ ፍሮማይ ነብስኻ/ ብኽታበት ክትከላኸል ይክኣል።

Icon_Medic_Help.png

ከም ኣጋጣሚ ንስኻ/ ወይ ውላድካ/ ምልክት ፍሮማይ ምስ ዝህሉ ናብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።

Icon_Medic_Help.png

ፍሮማይ ደይሓዘካ/ እንተኮይኑ፣ ተኸተብ/ቢ። ንወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።

ንፍዮ ዘለዎም ሰባት ብረስኒ፣ ቀይሕ ዓይኒ፡ ሰዓል፣ ሰሓ ምስ ቀይሕ ዕንፍሩር ይሳቀዩ። ካብ ንፍዮ ነብስኻ/ ብኽታበት ክትከላኸል ይክኣል።

Icon_Medic_Help.png

ከም ኣጋጣሚ ንስኻ/ ወይ ውላድካ/ ምልክት ንፍዮ ምስ ዝህሉ ናብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።

Icon_Medic_Help.png

ንፍዮ ደይሓዘካ/ እንተኮይኑ፣ ተኸተብ/ቢ። ንወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።

ዲፍተርያ (ተመሓላላፊ ሕማም ጎሮሮ) ሕማም ናይቲ ላዕለዋይ መስተአንፈሲ ኣካል ወይ ቆርቦት እዩ። ክልተ ዓይነት ዲፍተርያ ኣሎ፥ ናይ ጎሮሮ ወይ ናይ ቆርቦት።

ኣብ ናይ ቆርቦት ዲፍተርያ እቶም ዝሓመሙ ሕበጥ ጎሮሮ፣ ረስኒ፣ ቃንዛ ክውሕጡ ከለዉ ይሳቀዩ። ኣብ ናይ ቆርቦት ዲፍተርያ ቀልጢፉ ዘይሓዊ ቁስሊ ቆርቦት ኢዩ እቲ ምልክት።  ካብ ዲፍተርያ ነብስኻ/ ብኽታበት ክትከላኸል ይከኣል።

Icon_Medic_Help.png

ከም ኣጋጣሚ ንስኻ/ ወይ ውላድካ/ ምልክት ዲፍተርያ ምስ ዝህሉ ናብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።

Icon_Medic_Help.png

ዲፍተርያ ደይሓዘካ/ እንተኮይኑ፣ ተኸተብ/ቢ። ንወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።

ዓበቅ ልሙድ ናይ ቆርቦት ሕማም ኢዩ። ናቱ ጠንቂ ባልዕ ኣብ ቆርቦት ዝቅበሩ ኢዮም።

ኢዮም። ኣካል ወዲ ሰብግብረ መልሱ ድማ ሳሓ፣ ንድሪት፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ብልዕቲ ሸነኽ። ኣብ ሞንጎ ኣጻብዕቲ፣ ጉንቦ ኢድ፣ ካልእ መላግቦን፣ ኣብ ትሕቲ ቱሽቱሽን፡ ኣብ ጫፍ ጡብን።

ዝመሓላለፍ እዚ ሕማም ብናይ ቀጥታ ቆርቦት ርክብ ኢዩ።

Icon_Medic_Help.png

ከም ኣጋጣሚ ንስኻ/ ወይ ውላድካ/ ምልክት ዓበቅ ምስ ዝህሉ ናብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።

ኣብ ግዜ ናይ ከስዐ ወይ መዓናጡ ነድሪ፣ ዕግርግር፣ ተምላስ ወይ ውጽኣት የጋጥም ከምኡኦውን ረስኒን ናይ ከብዲ ቃንዛን። እቶም ብከምኡ ዝሳቀዩ ብዙሕ ፈሳሲ ኣካላት ይኸስሩ ኣብ ሓጺር ግዜ።

Icon_Medic_Help.png

እንድሕር ምልክት ከስዐ-መዓንጣዊ ቁጥዐ ኣሎ ናብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።

Icon_Trinken.png

ቡዙሕ ማይ ወይ ሻሂ በብንእሽተይ ስተ።

Icon_Haende_waschen.png

የእዳውካ/ ቀጻሊ ሳሙና ተሓጸብ ንካልኦት ከይተሕምም።

ቡዙሕ ካልእ ሕማማት ኣሎ። ኣብዚ ብዝያዳ ትረኽቦ ሓበሬታ ብዛዕባ ተላጋቢ ሕማማት እዩ።

Icon_Medic_Help.png

ናብ ናይ ጥዕና ወሃብቲ ኣገልግሎት ተወከስ/ ዋላ እኳ እቲ ምልክታት ከምቲ ኣብዚ ዝግለጽ እንተዘይኮነ Medic-Help