ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ስዊዘርላንድ

ኩሉ ሰብ ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ሕክምናዊ ክንክን መሰል ኣለዎ። ኩሉ ግዜ መጀመርያ ኣብቲ ናይ ሓተትቲ ዑቅባ ናይ ሕክምና ማእከል ተወከስ/ሲ።

ናይ ስድራ ቤት ሓኪም

ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ግዜ ሕማም ወይ ሓደጋ ናይ ስድርራ ቤት ሓኪም እቲ ናይ መጀመርያ ትውከሶ ኣካል እዩ። ይከናኸኑኻ፣ ኣገዳሲ እንድሕር ኮይኑ ድማ ናብ ሆስፒታል ወይ ናብ ኪኢላ የመሓላልፉኻ/ኺ።

ሓካይም ነቶም ናቶም በጻሕቲ ወይ ሕሙማት ምስ ፈለጡዎም፣ ከምኡውን እቲ ናቶም ሕሉፍ ጸገማት፣ ጹቡቅ ገሮም ክሕክምዎም ይኽእሉ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ናብ ሓደ ናይ ስድራ ቤት ሓኪም ኪድ።

Icon_Medic_Help.png

እንድሕር ተጸሊኡካ/ኪ፣ ናብ ሆስፒታል ኣይትኪድ፣ ግና ናብቲ ናይ ስድራ ቤት ሓኪምካ ኪድ።

Icon_Medic_Help.png

ንህጹጽ ነገር ቀጥታ ናብ ሆስፒታል ኪድ።

ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ካልእ መዕቆቢ ሰፈር

ዑቅባ እንድሕር ሓቲትካ/ (ፍቃድ N) ወይ ሓለዋ ትደሊ ኮይንካ/ (ፍቃድ S)
ወይ ግዝያዊ ወረቀት (ፍቃድ F) እቲ ናይዚ ኣካአባቢ ምምሕዳር ናይ ጥዕና ውሕስነት መደብ ከዳልወልካ/ እዩ። እንድሕር ናይ መንበሪ ፍቃድ (ፍቃድ B ወይ C) ኣለካ/ ናትካ / ሓላፍነት ኢዩ እቲ ናይ ጥዕና ውሕስነት ምጥጣሕ። ናይ ጥዕና ውሕስነት ምሓዝ ግዴታ እዩ።

ሓካይምን ሙሉእ ኣባላት ኣገልግሎት ጥዕና ንምዕቃብ ምስጢር ሚሒሎም እዮም፦ ብዛዕባ ናይ ሕሙም ሓበረታ ንማንም ኣይገልጹን እዮም። ከምኡ ንክገብሩ ናትካ/ ፍቃድ የድሎዮም።